ኣተሓሕዛ ማዓልታዊ ውውዕሎኻ

ቆልዑት ሒዝካ ማዓልታዊ ናብራኻ ዝተመቻቸወ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ መደቀሰን ናይ ምግቢ ስዓታትን ከበድ ክኾን ይኽእል፣ ብተወሳኺ ጽቡቅ ማዓልቲ ክህልወካ ምእንታን እንታይ ከምትገብር ቀዲምካ ትልሚ ምውጻእ ጽቡቅ እዩ፡፡ ናይ ድቃስ ስዓትን ናይ ቁርሲ ስዓትን እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ቀዲምካ ምሕሳብ፡፡ ኩሉግዜ ሓደ ዓይነት መንገዲ ትኽተል ተኾይንካ፣ እቶም ቆልዑ ስለዝለምድዎ – ብኣግባቡ ክትቆጻጸሮ የኽእል፡፡

ናብ መውዓሊ ህጻናት ምኻድ

ስሩዕ ንጥፈታት ምዝውታር

ደቅኹም ድሉዋት ምግባር

ኩላትን እንታይ ከጋጥመና ከምዝኽእል ፈሊጥና ተጸኒሕና ዝሓሸ ናይ ዓርሰ ምትእምማን ስምዒት ይህልወና፡፡ እቶም ቆልዑ እንታይ ከምዘጋጥምን፣ ማዓዝ ከምዘጋጥምን ዓርሶም ክኢሎም ኣይፈልጡን፡፡ ንኣብነት፣ ማዓዝ ናብ መውዓሊ ህጻውንቲ ከምዝኸዱን፣ኣብ ምንታይ መዓልቲ ኣብ ገዝም ከምዝኾኑን ኣይፈልጡን፡፡ እዙይ ማለት ቆልዑት ነገራት ዝርድኦም ብድንገት እንተጋጥሙን ሸዑ ንሹዑን እዩ፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ ቆልዑት ክትገብሮ ኢኻ ኢሎም ዝሓሰቡዎ ነገር ነገር ግን ንስኻ ዘይትገብሮ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ፡፤ ኩሉ ግዜ ደቅኹም ብ መውዓሊ ህጻውንቲ ብመኪና ተብጽሑ ተኾይንኩም፣  ኩሉሻእ ናብ መኪና ክትኣትዉ እንተለኹም ናብ መውዐሊ ህጻናት ትኸዱ ዘለኹም እዩ ዝመስሎም፡፡ ካብኡ እቶም ቆልዑ ናብ ካልእ ትኸይድ ኣለኻ ኢሎም ስለዝሓስቡ ዘይሕጉሳት ይኾኑን ይጨናነቁን እዮም፡፡ እቲ ትኸዶ ዘለኻ ቦታ ዝፈትዉዎ ዋላይኹን፣ ካልእ ስለዝሓስቡ ይጨናነቁ እዮም፡፡ ስለዝኾነ ማዓልትኹም ጽቡቅ ክኾነልኩም እንተደሊኹም፣ ነቶም ደቅኹም እንታይ እንታይ ከምትገብሩ ቀዲምኩም ብምፍላጥ ክዳለዉሉ ግበሩ፡፡

ቆልዑት ካልእ ንጥፈታት ቅድሚ ምጅማሮም ዝጀመርዎ ነገር ንክውድኡ ሓገዝ የድልዮም እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ንደቅኹም ሓቢርኩም ናብ ዝኾነ ቦታ ከምትኸዱ ተነጊርኩምዎም፣ ክዳውንቶም ክቅይሩ እንተለዉ ሓግዝዎመም፡፡

ስእልታት ተጠቂምከ ክዳለዉ ምግባር

ደቅኹም ቀልጢፎም ንክዳለዉ ዝሕግዝ ሓደ መንገዲ እቲ ክትገበርዎ ዝሓሰብኩም ነገር ብስእሊ ምርኣይ እዩ፡፡ ቆልዑት ካብ ቃላት ተጠቂምካ ብስእሊ ክተርእዮም እንተለኻ እዮም ቀልጢፎም ዝርድኦምን ዝዝክሩን፡፡

ቅድሚ ናብ መውዓሊ ህጻናት ምካድኩም ስእሊ ናይቲ ቦታ እንተርኢኹምዎ፣ ናበይ ትኸዱ ከምዘለኹም ቀልጢፉ ይርድኦም፡፡ ከምዙይ ምግባርኩም ንኣብነት ናብ ዕዳጋ ኢና ንኸይድ ዘለና ኢሎም ሓሲቦም ይጸንሑሞ፣ ናብ ካልእ ትኸዱ ከምዘለኹም ምስተረድኦም ይናደዱ፡፡ እቲ ስእሊ ኣብ ስልክኹም ወይ ኣብ ወረቀት ዝተሓተመ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ናብ www.bildstod.se ብምእታው ደቅኹም ድሉዋት ንምግባር ዝሕግዙ ስእልታት ክተዳልዉ ትኽእሉ፡፡

ናይ ስእሊ ሰሌዳ ተጠቂምኩም ምደላው

እቲ ናይ ስእላዊ ሰሌዳ ተጠቂምኩም ደቅኹም ክዳለዉሎም ዝግብኦም ንጥፈታትን ብምንታይ ቅደም ስዓብን ዝብል ትሕዝቶ ምድላው ትኽእሉ፡፡ ንኣብነት፣ ከምዙይ ዓይነት ቻርት ተጠቂምኩም ንምድቃስ ክዳለዉ ምግባር ትኽእሉ፡፡

ስእላዊ መግለጺ ምጥቃም እቶም ቆልዑት ኩሉ ግዜ ክገብርዎም ዝግብኦም ነገራት ንምርዳእ ይሕግዞም፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ ስእላዊ ቻርት ምጥቃም ክሰርሕዎም ዝግብኦም ንጥፈታተት ንምዝኽኸር ይሕግዝ፡፡ እቶም ደቅኹም ዝተወድኡ ንጥፈታት ብምውጻእ፣ ቀጺሎም ዝትግበሩ ንጥፈታት ንምፍላጥ ይሕግዝ፡፡

“ፈለማ – ካብኡ” ብዝብል መንገዲ ኣዳልዉዎም

ዓርሰ ተላዓዓልነት ውላድኩም ንምዕባይ  “ፈለማ – ካብኡ” ብዝብል ስእላዊ ቻርቲ ተጠቂምኩም ምድላው ትኽእሉ፡፡

ውላድኩም ክዳን ምግባር እንተኣብይዎ/ዋ፣  እቲ ክዳኖም ምስተኸደንዎ ደስ ዝብል ነገር ከምትገብሩ ዘርእይ ስእሊ ኣርእይዎም፡፡ ፈለማ ክዳንኩም ትገብሩ – ካብኡ ናብ ጨወታ ንኸይድ፡፡ እቲ  “ካብኡ” ኢልኩም ተርእይዎም ስእሊ እቶም ቆልዑት ዝፈትዉዎ ነገር ክኾን ኣለዎ፡፡

ቪድዮ ምድላው

ምልዕዓል ደቅኹም ንምውሳኽ ክትገብርዎ ዝግበአኩም ካልእ መንገዲ ቪድዮ ብምድላው ቀልጢፍኩም እንተተዳሊኹም እዙይ ክንገብር ኢና ኢልኩም እቲ ቪድዮ ብምርኣይ እዩ፡፡ እቶም ደቅኹም ናብ መጫወቲ ቦታ ክኸዱ እንተዘይደልዮም፣ ኣብ ሸውላለጋ ዝጻወቱ ቆልዑ ዘርእይ ቪድዮ እንተርኢኹምዎም ሓሳቦም ብምቅያር ናይ ምኻድ ድሌቶም ይውስኽ፡፡ እቲ ቪድዮ ብሓደ ኮይንኩም እናረኣኹም ተተዘራሪብኩም ድማ ዝበለጸ ይኸውን፡፡

ደቅኹም ኣሳትፍዎም

ኣብ ሓደ ንጥፈት ድሌት ክሓድረና ዝኽእል ንሕናውን ንሳተፈሉ እንተኾይኑ እዩ፡፡ እቶም ደቅኹም ኣብቶም ብተደጋጋሚ ትገብርዎም ንጥፈታት ተሳተፍቲ እንተኾይኖም፣ ታዓዘብቲ ኮይኖም ካብ ዝሪኡሉ ብዝበለጸ ዝበለጸ ድሌት ይሓድሮም፡፡

ክመርጹ ዕድል ሃብዎም

እቶም ቆልዑ ድሌት ሃልይዎም ንክሳተፉ እቲ ዝቀለለ መንገዲ ባዕሎም ክመርጹ ምፍቃድ እዩ፡፡ እቶም ቆልዑ ድሌቶም ንክውስኽ ቀለልቲ ዝባሃሉ ውሳነታት ንክውስኑ ምፍቃድ እኹል እዩ፡፡

ንኣብነት፣ ንጉሆ ንጉሆ እቶም ቆልዑት ባዕሎም መስተይ ኩባይኦም ክመርጹ፣ ወይ ሊፍቲ ተጠቂምኩም ዶ ክትወርዱስ ብኣስካላ ኢልኩም ኣማጽዎም፡፡ ኣብዝድቅሱሉ ስዓት እውን ካብቶም ዘለዉ መማረጽታት ናይ ስኒ ሳሙና ክመርጹ፣ ተንብብዎ ዐይነት መጽሓፍ ክመርጹን ዕድል ሃብዎም፡፡ እቲ ዘሎ መማረጺ ነቲ ቆልዓ ብግልጺ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ሓደ ጽቡቅ መንገዲ ክኸውን ዝኽእል እቶም ዘለዉ መማረጽታት ብኢድካ ሒዝካ ክመርጥ ምግባር፣ ወይ ብስእሊ ኣርኢኻ ክመርጽ ምግባር፡፡

ደቅኹም ዝሰርሕዎም ንጥፈታት ሃብዎም

እቶም ቆልዑት ክሳተፉ ዘኽእል ካልእ መንገዲ ንጥፈታት ምሃብ እዩ፡፡ ቆልዑት ንጥፈታት ምፍጻም የሕጉሶም እዩ፣ እዚኣ ስርሑ እንትብሃሉ ድማ ይሕጎሱ፡፡ ንኣብነት፣ ንደቅኹም ድሕሪ ድራር ጠረጰዛ ክውልውሉ እንተኣዚዝኩምዎም፣ ናይ ሽንቲ ጨርቆም ናብ መአከቢ ጉሓፍ ክድብርዩ እንተነጊርኩምዎም፣ መብራህቲ ኣጥፍኡ እንተይልኩምዎም ናብ ዕዳጋ ክትከዱ እንተለኹም፣ እቶም ትዕድግዎም ነገራት ናብቲ ዓረብያ ክገብርዎ ኣስተኻኺሎም ከቕምጥዎ ምግባር፡፡

ደቅኹም ኣናእሽተይ ስራሕትታት ከገብሩ እንተነጊርኩምዎም፣ ዘይትደልዩዎም ዓበይቲ ስሕተታት ናይ ምስራሕ ዕድሎም ዝተሓተ እዩ፡፡ ኣብ ዕዳጋ ክትከዱ ከለኹም እቶም ዝገዛእኹምዎ ነገራት ናብ ፌስታል ከእትዉ እንተነጊርኩምዎም  ናብ ካልእ ቦታ ናይ ምኻድ ወይ ካልእ ነገርናይ ምልዓል ዕድሎም ዝተሓተ ይኸውን፡፡

ክገብርዎም ዝግብኦም ነገራት ክለምዱ ግበሩ፡፡

ቆልዑት ብትኽክል ክሰርሑ እንተለዉ እዮም ዝማሃሩ፡፡ ከምኡ ስለዝኾነ ደቅኹም ማዓልታዊ ክመሃሩ ትደልዩዎም እንተኾይንኩም፣ ነገራት ብትኽክል ክፍጽሙ ሓግዝዎም፡፡ ከበድቲ ነገራት ብዝግባእ ንክሰርሑ ብምሕታት ክኸብዶም እንተሎ ሓግዝዎም፡፡ ዝሓተትኩምዎም ነገራት ዘይሰርሑ እንተሃልዮም፣ ምኽንያቱ ሕተትዎም፡፡ ደቅኹም እንታይ ክገብሩ ከምትደልዩዎም ግልጺ ኣይኮነልኩምን? ከቢድ ድዩ? ወይስ ውላድኩም ምልዕዓል ይጎድሎ እዩ?

ቆልዑት ግበሩ ዝበልናዮም ነገር ይገብሩ ዶ?

ካብ እንሓስቦ ንላዕሊ ቀለልቲ እንብሎም ነገራት ንቆልዑት ክከብድዎም ይኽእሉ እዮም፡፡ ክዳውንቶም ክኽደኑ ክንሓቶም ተለና፣ ጃኬቶም ናይ ምግባርን ዘይምግባርን ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ትብልዎም ከምዘለኹም ምርዳእ፣ ዝጻወትዎ ዘለዉ ጸዋታ ምውዳእ፣ ካብ ጸወትኦም ክተኣጓጎሉ ዘይምድላይ ዝመሳሰሉ ነገራተ እውን ኣለዉ፡፡ መጀመርታ እንታይ ክኽደኑ ከምዘለዎም ክርዱኡ ኣለዎም፡፡ ቆልዑት ሓደ ነገር ምግባር እንተኣብይዎም፣ ክኽውን ዝኽእል ነገር ምርዳእ ስለዝኸበዶም እዩ፡፡ እቲ ክሰርሕዎ እትደልይዎም ነገር ግልጽን ቀሊልን ግበሩሎም፡፡ እዙይ ንምግባር፣ ንጹር ትእዛዝ ሃብዎም – ኣድላይ እንተኾይኑ ስእሊ ምጥቃም –ወይ ከቢድ ኣብ ትብልዎ ክፍሊ ብምሕጋዝ መሊሱ ክሰርሖ ምትብባዕ፡፡

ቆልዑት ሓደ ማዓልቲ ጽቡቅ ካልእ ማዓልቲ ክደኽሙ ከምዝኽእሉ ምርዳእ እውን ጠቃሚ እዩ፡፡ እቶም ቆልዑት ተደኺሞም፣ ተጠምይዎም፣ ተተበሳጭዮም ወይ ተተረብሾም ጽቡቅ ክሰርሑ ኣይኽእሉን፡፡ እቶም ቆልዑት ብዙሕ ሰብ ዝተኣከቦ ኣብዘይፈልጥዎ ቦታ እንተኾይኖም፣ ወይ ጫውጫው ዝበዝሖ ቦታ እንተኾይኖም ብዙሕ ሓግ የድልዮም፡፡

ጠቓሚ ሕጊ ድዩ?

ከም ወላዲ፣ እቲ ዋና ስራሕኹም ተንከባኺብኩም ምዕባይ እዩ፡፡. ዙይ ድማ ብዙሕ ነገራት ዘድልዮ እዩ፡፡ እቶም ቆልዑት ዝተባሃልዎም ዘይፍጽሙ እንተኾይኖም ናብ ጎንጺ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም ጎንጺ ንምውጋድ፣ ኣየናይ ሕጊ እዩ ብዝበለጸ ከተግብርዎ ዘለዎም ኢልካ ምፍላይ ኣድላይ እዩ፡፡ ደቅኹም ዝኾነ ነገር ክትገብሩ የብልኩምን ኢልኩም ክትክልክልዎም እንተለኹም፣ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ክትነግርዎም ይግባእ፡፡ ንኣብነት፣ እቶም ቆልዑት ናይ ገዛ እንስሳ የንገላትዑ እንተሃልዮም፣ ግደፍ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ነቲ እንስሳ ብፍቅሪ ከመይ ክሕዝዎ ከምዘለዎም ኣርእይዎም፡፡

ጎንጺ ኣዘሓሕሉ

እቶም ቆልኡት ክበሻጨዉ ወይ ክርበሹ እንተለዉ፣ እንታይ ክገብሩ ከምትደልይዎምን እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎምን ምርዳእ ይኣብዮም እዩ፡፡ ከምዙይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ እቶም ቆልዑት ካብ ስሕተቶም ንክምሃሩ ይኸብዶም እዩ፡፡ ጎንጺ እንተተላዒሉ፣ ነቶም ቆልዑት ካብምፍጣት፣ ነቲ ጎንጺ ክቅንስ ምግባር ዝሓሸ እዩ፡፡ ተረጋጊዕኹም፣ ነቶም ቆልዑት ክረጋግኡ እበሩ፡፡ እቶም ቆልዑ ምስተረጋግኡ፣ እንታይ ከምዘጥፍኡ ቀስ ኢልኩም ኣርድእዎም፡፡ ካብኡ መልዐሊ እቲ ጎንጺ እንታይ ከምዝነበረ ምርዳእ ትኽእሉ፡፡ ማዓልትኹም ቀሊልን ውጽኢታውን ከምዝኸውን ሕሰቡ፣ ደቅኹም እወን ዝበልኩምዎም ብኸመይ ከምዝገብሩ ሕሰቡሉ፡፡

ተሓቲሙ ዝወጽእ መጠቃለሊ ትሕዝቶ እዚ ገጽ

ርክብ ምፍጣር

እዚ ገጽ ብክፍሊ ጥዕናን መሊስካ ምጥያሽን ግዝኣት Uppsala ዝተዳለወ እዩ፡፡ እቶም ኣብኡ ዝቀረቡ መረዳእታታት ደቆም ብኸመይ መንገዲ ምስ ሰባት ክጻወቱን ክረዳድኡን ከምዝኽእሉ ሓገሬታ ንምርካብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ዝሓዘ እዩ፡፡ 

እቲ ትሕዝቶታት ዘዳሉ ሰብ፣ ናብ habiliteringen@regionuppsala.se መልእኽቲ ኢ-ሜይል ልኢኹ ኣሎ፡፡