ብሓባር ምንባብ ጀምሩ

ወለዲ ደቆም ናይ ምዝራብን ናይ ምርድዳእን ዓቅሞም ንክዓቢ ክገብርዎ ዝኽእለሉ መንገድታት እቲ ሓደ ብሓንሳብ ኮይንካ መጽሃፍ ምንባብ ሓደ እዩ፡፡ እዙይ መለት እቶም ዓበይቲ ሰባት ነቶም ቆልዑ ካብ ምንባብ ብሓንሳብ ኮይንካ ምንባብ ማለት እዩ፡፡ ወለዲ ደቆም ኣብ ምንባብ ንጡፍ ንኽኾኑ ዝተፈላለዩ ዘዴታት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም፡፡

ብሓንሳብ ኮይንኩም መጽሓፍ ብኸመይ ተንብቡ?

ብሓባር ምንባብ ጀምሩ

“ስሉስ ኩርናዕ ተረዳድኦ” ኣዳልዉ

ንስኹም፣ ውላድኩምን እቲ መጽሓፍን ስሉስ ኩርነዕ ቅርጺ ክህልወኩም ግበሩ፡፡ እቲ ውላድኩም ንዓኹምን ነቲ መጽሓፍን ክርኢ ክኽእል ኣለዎ፡፡

ቀልቢ ውላድኩም ምስሓብ ክኣሉ

ብኣካላትኩም፣ ብገጽኩምን ድምጽኹምን ተጠቂምኩም ቀልቢ ውላድኩም ግዝኡ፡፡

ውላድኩም ግብረመልሲ ክህብ ዕድል ሃቡ፡፡

እቶም ቆልዑ ተርኦም ተጸብዮም ምንባብ ክጅምሩን ዝሓተትኩምዎ ሕቶ ክምሉሱን ተጸበይዎም፡፡

እቶም ቆልዑ ዝህብዎ መልሲ ብምብርህራህ ኣተባብዕዎም፡፡

ቆልዑ ብቡዙሕ መንገዲ መልሲ ክህቡ ይኽእሉ፡፡ ብኢዶም ብምጥቋም፣ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ብምርኣይ፣ ቆላሕ ኢሎም ብምርኣይ ወይ ብዘረባ ክምልሱ ይኽእሉ፡፡ ውላድኩም ዝገብሮ ኩሉ ምንቅስቃስ ብምብርህራህ ኣበረታትዑ፡፡

ደቅኹም ዝኾነ ነገርክዛረቡ/ክሰርሑ እንተለዉ ምስኦም ብሓንሳብ በሉ/ግበሩ፡፡ ከምኡ ምግባርኩም እቶም ደቅኹም ትከተታተልዎም ምህላውኩም ክርድኡ ይገብር፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ እቶም ደቅኹም ብድምጺ፣ ቃላትን ኣካላዊ ምንቅስቃስን ክረዳድኡ ይሕግዝ፡፡ እቶም ደቅኹም ንዓኹም ብምርኣይ እዮም ሓደሽቲ ቃላትን ተግባራትን ክመሃሩ ዝኽእሉ ::

እቲ ደቅኹም ዝብልዎ ወይ ክብልዎ ዝደለዩ ነገራት ብዝግባእ ኣስፍሕ ኣቢልኩም ብምብርህራህ ኣበረታትዕዎም፡፡ ንኣብነት፣ እቲ ውላድኩም “vroom, vroom”፣ እንተይሉ/ላ፣ ንስኹም ድማ “እወ መኪንኡ እዩ ዝዝውር ዘሎ” ክትብሉ ትኽእሉ፡፡ ከምዙይ ምባልኩም ከምዝተረዳእኹምዎም የምልክት፡፡ ካብኡ ብተወሳኺ፣ ውላድኩም ክእለት ቋንቁኡ/ኣ ከዕቢ/ክተዕቢ የኽእል

መጻሕፍቲ ምሕባር

ውላድኩም ናይ ዓረሰ ምልዕዓሉ ክውስኽ መጽሓፍ ባዕሉ ክመርጽ ግበሩ፡፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ድምጺ፣ ምልክትን ዝርርብን ዝዕድም መጽሓፍ ብምምራጽ ውላድኩም ሓቢሩ ከንብብ ግበሩ፡፡ ኣብ ከባብኹም ዘለዉ ቤተ-መጻሕፍቲ ታይ ዓይነት መጽሓፍ ክተንብቡ ከመዘለኩም ሓገዝ ሕተቱ፡፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ቤተ-መጻሕፍቲ ሕተትዎም፡፡

ተሓቲሙ ዝወጽእ መጠቃለሊ ትሕዝቶ እዚ ገጽ

ርክብ ምፍጣር

እዚ ገጽ ብክፍሊ ጥዕናን መሊስካ ምጥያሽን ግዝኣት Uppsala ዝተዳለወ እዩ፡፡ እቶም ኣብኡ ዝቀረቡ መረዳእታታት ደቆም ብኸመይ መንገዲ ምስ ሰባት ክጻወቱን ክረዳድኡን ከምዝኽእሉ ሓገሬታ ንምርካብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ዝሓዘ እዩ፡፡ 

እቲ ትሕዝቶታት ዘዳሉ ሰብ፣ ናብ habiliteringen@regionuppsala.se መልእኽቲ ኢ-ሜይል ልኢኹ ኣሎ፡፡