ምጽዋት ጀምሩ

እዙይ ጠቓሚ ዝኸውን ንምንታይ እዩ?

ቆልዑ ብተፈጥርኦም ሓደሽቲ ነገራት ምምሃር ዝኽእሉ ብጸወታ መልክዑ እዩ፡፡ ቆልዑት ናይ ምርድዳእ ዓቅሞም ዘዕብዩ፣ ፈጠራታት ክፈጥሩ ዝኽእሉን ጸገም ናይ ምፍታሕ ዓቅሞም ዝሕይልን ምስካልኦት ሰባት ክጻወቱ እንተለዉ እዩ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቆልዑት መብዛሕትኡ ግዝይኦም ኣብ ቅድሚ ስክሪን ተገቲሮም እዮም ዘሕልፍዎ፡፡ እዙይ ማለት ካብቲ ብጸወታ ከሕልፍዎ ዝግበኦም ግዝየ ንእሽተይ ጥራይ እዮም ዕድል ዝረኽቡ ማለት እዩ፡፡ ካብዙይ ብምብጋዝ ውዱብ ጥዕና ዓለም (WHO) ትሕቲ ክልተ ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ቴሌቪጅን ኮነ ካልእ ስክሪን ክሪኡ የብሎምን ዝብል መምርሒ ኣውጺኡ እዩ፡፡ ዓበይቲ ከምኳንኩም፣ እቶም ቆልዑ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ምስ ሰባት ምጽዋትን ምትእትታውን ክለምዱ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለኩም፡፡

ወደይ/ጓለይ ብከመይ ክሕግዞ/ዛ ይኽእል?

ቆልዑት ብናይባዕሎም ተበገስነት ጸወታታት ክጅምሩ ስለዝኸብዶም፣ ዓበይ ሰባት ክሕግዝዎም ይግባእ፡፡ ዓበይቲ ሰባት ከምምኳንኩም፣ በብማዓልቱ ንሓደ ስዓት ዝኣክል ፣ ምስ ውላድኩም ብሓንሳብ ኮይንኩም ክትጻወቱ ትኽእሉ፡፡ ውላድኩም እናተጻወተ እናሀለወ እውን ትኽክለኛ ኣብ እትብልዎ ስዓት ተሓዊስኩም ብሓንሳብ ክጻወቱ ትኽእሉ፡፡ ካብኡ ሓድሽ መጻወቲ ብምውሳኽ ወይ ሓድሽ ኣጸዋውታ ብምውሳኽ እቲ ጸወታ ዝሓሸ ክኾን ምግባር ትኽእሉ፡፡ ደቅኹም ጸወታ ክጅምሩ ንምግባር ዘኽእሉ መንገድታት ኣብ ታሕቲ ቀሪቦም ኣለዉ፡፡

ጽቡቅ ጸወታ ምረጹ

ንኣናእሽተይ ቆልዑ፣ ደጋጊሞም ክጻወትዎ ዝኽእሉ ቀለልቲ ጸዋታታት ምምራጽ ዝሐሓሸ እዩ፡፡ ንስኹም ኮነ ደቅኹም እንታይ እንታይ ከምትፍጽሙ ዘርእይ ግልጺ ዝኾነ ጸወታ ምረጹ፡፡ ከምዙይ ተገይርኩም ነንበይንኹም ካብ ምጽዋት በብሓንሳብ ክትጻወቱ ይገብር፡፡ ብሓንሳብ ኮይንኩም ምስሊ ክትገጣጥሙ እንተለኹም፣ እቶም ደቅኹም ነቲ ሰሌዳ ክሰርሑ ሓላፍነት እንተሂብኩምዎም ንስኹም ድማ ኣብቲ ሰሌዳ ዝሰኳኹዑ ምስልታት ትገጣጥሙ፡፡ ካብኡ ናትኩም ሚና ዝኸውን እቶም ዝሰኳኹዑ ምስልታት ነቶም ቆልዑ ትህብዎም፣ ካብኡ እቶም ቆልዑ ነቲ ምስሊ ኣብ ትኽክለኛ ቦትኦም ይሰርዕዎም፡፡

ደቅኹም ክፈትውዎ ዝኽእሉ ጸወታ ንምምራጽ ሞክሩ፡፡፡ እቶም ደቅኸም ናይ መኪና  ጸዋታ ዝፈትዉ ተኾይኖም፣ ምስ መኪና ዝተሓሓዙ ጸወታታት ምረጹሎም፡፡ እቶም ደቅኹም ምንቅስቃስ ዝፈትዉ ተኾይኖም፣ ኣብ ደገ ኮይንካ እትጻወቶ ከም ምጉያይን ምዘዝላልን ዘለዎ ጸወታ ምረጹሎም፡፡ ምስ ደቅኹም ክትጻወቱ እንተለኹም ብጣዕሚ ኣገዳሲ ነገር ዝበሃል ኩሉሻዕ እቲ ጸወታ ክትፈትውዎን ብሓንሳብ ኮይንኩም ክትጻወቱ ምኽኣል እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ናይ መኪና መጻወትታት ክትጻወቱ ተለኹም፣ እተን ናይ መኪና መጻወትታት ኩለን ንደቅኹም ትብዎም እሞ ኣብ ጋራጅ ከቅምጥዎም ምንጋር፡፡

ጸወታ ንምጽዋት ተዳለዉ

ብሓንሳብ ኮይንኩም ዘሕጉስ ናይ ጸወታ ግዜ ተሕልፉ ከምዘለኹም ንምርግጋጽ፣ ኩሉ ዘድሊ ነገር ቀዲምካ ምድላው የድሊ፡፡ ነቲ ጸወታ ዘየድልን ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ እትብልዎ ዝኾነ ይኹ ኣቅሓ ኣርሕቁ፡፡ ቴሌቪዝን ዕጸዉዎ ስልክኹም እውን ኣርሒቅኩም ኣቅምጥዎ፡፡ ነቲ ጸዋታ ዝምቹ ቦታ ምረጹ፡፡ ነዙይ ዝጥዕም ዝሓሸ መንገዲ እቶም ኣብ ጸወታ እትጥቀሙሎም መሳርሕታት ኣብ ሓደ ባኮ ወይ ሳንጣ ገይርኩም ኣብ እትጻወትሉ እዋን ካብኡ እናውጻእኹም ምጽዋት እዩ፡፡

ምስ ደቅኹም ሓቢርኩም ንምጽዋት ክትሓስቡ እንተለኹም፣ ክትጻወቱ ከምዝደለኹ ነቶም ደቅኹም ንገርዎም፡፡ እዙይ ንምግባር ዝሓሸ መንገዲ ንቶም ደቅኹም “መጻወቲ ካርዲ” ክተርእይዎም ምግባር – ናይቲ ክትጻወትዎ ዝሓሰብኩም ዓይነት ጸወታ ምስሊ ዝሓዘ ካርዲ፡፡ እቶም መምርሕታት እቲ ጸወታ ድማ ብግልባጥ እቲ ካርዲ ተጻሒፎም ከመይ ክጻወቱ ከምዘለዎም ዘርእይ ካርዲ እዩ፡፡ እቲ ጸዋታ ቅድሚ ምጅማርኩም ንቶም ደቅኹም እቲ ካርዲ እንተርኢኹምዎም፣ ብቅልጡፍ ናይ ጸዋታ ካርዲ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ይርድኡ፡፡ ካልእ ግዜ፣ እቶም ደቅኹም ነቶም ካርድታት እናረኣዩ ክጻወትዎ ዝደለዩ ዓይነት ጸዋታ ካብቲ ካርር ብምምራጽ እንታይ ዓይነት ጸዋታ ክጻወቱ ከምዝደልዩ ይነግሩኹም፡፡

 “ምስ ደቀይ ኮይነ ታይ ዓይነት ጸዋታ ተተጻወትኩ ይሓይሽ ?”ኣብ ዝብል ርእሲ እንታይ ዓይነት ጸወታታ ከምዘለዉን ዝሓሸ ተዋታ እንታይ ከምዝኾነን ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡፡

ንደቅኹም እቲ ጸዋታ ከመይ ከምዝጽወት ኣምህርዎም፡፡

ህጻውንቲ ቆልዑት ዓበይቲ ዝገብርዎ ብምድጋም እዮም ዝመሃሩ- ዓበይቲ ዝገብርዎ ብምርኣይ ካብኡ ባዕሎም ክገብርዎ ብምሙኳር፡፡  እቶም ዓበይቲ ነቶም ቆልዑ እቲ ጸዋታ ከምህርዎም እንተለዉ፣ እቶም ቆልዑ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ብግልጺ ኣርእይዎም፡፡ እቶም ቆልዑ እቶም ጸዋታታት ብክለምድዎም ብዙሕ ግዜ ደጋጊሞም ክለማመድዎም ኣለዎም፡፡ ሓደሓደ ተግባራት ኣብ ናይ መጀመርታ እዋን ነቶም ቆልዑት ክለምድዎም ስለዝኸብድዎም፣ ካብ ዓበይቲ ሰባት ሓገዝ የድልዮም እዩ፡፡ ንኣብነት፣ምስ ደቅኹም ኮይንኩም ምግጥጣም ትጻወቱ እንተሃሊኹም፣ እቶም ሕድሕድ ኣካላት ናበይ ክስኩዑ ከምዘለዎም ክትነግርዎም ትኽእሉ፡፡ እቶም ቆልዑ ነቲ ጸወታ ፈትዮምዎ ምጽዋት ክቅጽሉ ዝኽእሉ ኣብቲ ጸዋታ ዝዕወቱ እንትኾኑ እዩ፡፡

Illustration. Vuxen och barn klappar sina handflator mot varandra.

እቶም ናይ ጸዋታ ካርድታት ወለዲ ንደቆም ሓድሽ ጸዋታ ንምምሃርን ዝነበረ ጸዋታ ብደንቢ ክመልክዎ ንምግባርን ይጠቅሙ፡፡ እቶም ናይ ጸዋታ ካርድታት ኣብ እዋን ጸወታ እንታይ ክትገብሩን ክትብሉነ ከምትኸእሉ ዝሕብሩ ምስልታት ዝሓዙ እዮም፡፡ “ምስ ደቀይ ኮይነ ታይ ዓይነት ጸዋታ ተተጻወትኩ ይሓይሽ ?”ኣብ ዝብል ርእሲ እንታይ ዓይነት ጸወታታ ከምዘለዉን ዝሓሸ ተዋታ እንታይ ከምዝኾነን፣ ከምኡውን ኣጸዋውትኡ ዘርእይ ቪድዮ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡፡

ደቅኹም ቀልቦም ክትገዝኡ መኩሩ

ቆልዑት ብቀሊሉ ትኹረቶም ስለዝመቃቀል  ብትኹረት ክጸንሑ ዘይክኽእሉ ይኽእሉ እዮም፡፡  ብሓንሳብ ኮየንኩም ንክትጻወቱ፣ ቀልቢ እቶም ቆልዑ ምሓዝ ኣድላይ እዩ፡፡ እዙይ ንምግባር ዝሕግዝ ሓደ መንገዲ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ ኣካል ምንቅስቃስ፣ ኣረኣእያን ድምጽታትን ብምጥቃም እዩ፡፡ ኣጋኒንኩም ምቅራብ ኣይትሰከፉ!

ቀልቢ እቶም ቆልዑ ሂዝካ ንምጽናሕ፣ ናይቲ ጸወታ እርምጃ ምልምማድ የድሊ፡፡ እቶም ደቅኹም ክሳብ ዝውድኡ ብትዕግስቲ ምጽባይ የድሊ፡፡ ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣምታት ድማ፣ እቶም ቆልዑ ትኹረቶም ከይስረቅ ክትፈጥኑ ዝግበአኩም ኣጋጣምታት ክህልዉ ይኽእሉ፡፡

ኣብቶም ቆልዑት ሃንቀውታ ክፍጠር ምግባር ካለልእ ነቲ ጸወታ ክፈትውዎ ንምግባር ዘኽእል መንገዲ እየ፡፡ ከምዙይ ንምግባር ዘኽእል ሓደ ቀሊል መንገዲ ዝኾነ ዘስሕቅ ወይ ዘድስት ነገር ቅድሚ ምምጽኡ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ምቁጻር-ንኣብነት፣ ነቶም ቆልዑት ብጎኒ ክንሸራተቱ ቅድሚ ምግባርኩም ወይ ንላዕሊ ሓፍ ቅድሚ ምባልኩም፡፡ ኣብ ማእኸል እቲ ጸዋታ ክቋረጽ ብምግባር እውን ድሌቱ ክውስኽ ምግባር ይከኣል፡፡ ሸውላለጋ ትጻወቱ እንተሃሊኹም፣ እቲ ውላድኩም ቀባሕባሕ እናበለ ክሪአኩም ከሎ ጽቡቅ ገይርኩም ትደፍእዎ፡፡

ክትጻወቱ እንተለኹም ተዝናነዩ

ምስ ደቅኹም ክትጻወቱ እንተለኹም እቲ ብጣዕሚ ጠቃሚ ነገር ሓቢርኩም ምዝንይናይኩም እዩ፡፡ ብሓንሳብ ኮይንካ ዝኾነ ነገር ምስራሕ ዘሕጉስ ከምዝኾነ ነቶም ደቅኹም ኣርእይዎም፡፡ ደቅኹም ደኺምዎም እቲ ጸዋታ ቅድሚ ምቁራጾም ቀዲምኩም ደው ኣብሉ-ሓደ ነዊሕ ጸዋታ ካብምጽዋት ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ጸወታታት ምጽዋት ይሓይሽ፡፡ እናተጻወትኩም እንተለኹም ቪድዮ ቀሪጽኩም ዳሕራይ ንደቅኹም ክተርእይዎም ትኽእሉ፡፡ ከምኡ ክትገብሩ እንተለኹም፣ እቶም ቆልዑ ደጋጊሞም እቲ ጸወታኹመ ይሪእዎ!

ምስ ደቀይ ኮይነ እንታይ ዓይነት ጸወታ ክጻወት ይኽእል?

ኣብ ህጻንነት ክጽወቱ ዝግብኦም ጸወታታት

ቆልዑት ብህጻንነቶም ዝጻወትዎም ጸወታታት ከም “peekaboo” ሕንትሽጽሽ፣ሓፍ ምባል ዝመሳሰሉ ጸወታታት እዮም፡፡ እዚኣቶም ኣብ ማዓልቲ ብዙሕ ግዜ ክትጻወቶም እትኽእል ጸወታታት እዮም-ንኣብነት፣ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብቶቡስ ትጽበየሉ ግዜ፡፡ እቶም ቆልዑ ናዓበዩ ክኸዱ እንተለዉ፣ ነገራት ናብ ታኒካ ምእታውን ምውጻእን፣ ወይ ካብ መሬት ምልዓ ዝመሳሰሉ ጸወታታት ምጽዋት ይፈትዉ፡፡

ቅልል ዝበሉ ጸወታታት

ካብዙይ ስዒቦም ሓሙሽተ ብቪድዮን ብናይ ጸዋታ ካርድን ዝቀረቡ ዓይነታት ጸወታ ኣለዉ፡፡

ኣብ ህጻንነት ክጽወቱ ዝግብኦም ጸወታታት – ካርድታት ጸወታ (ብመልክዕ PDF ዝሕተም)

ሕግታት ዘለዎም ጸወታታት

እቶም ሕጊ ዘለዎም ጸወታታት ግልጺ ዝኾኑ፣ ቀለልትን ኮይኖም ኩሉ ግዜ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝጽወቱ እዮም፡፡ ከምኡ ብምኳኖም ድማ፣ ቡዙሓት ቆልዑ ነቶም ጸወታታት ቀልጢፎም ፈሊጦም ክጻወትዎም ይኽእሉ፡፡ እቶም ሕጊ ዘለዎም ጸዋታታት ምስ ሓደ ቆልዓ ወይ ምስ ብዙሓት ቆልዑ ኮይንካ ክትጻወቶም ዝዕድሙ እዮም፡፡

ካብዚ ስዒቡ ሓሙሽተ ዓይነት ሕጊ ተኸቲልካ ዝጽወቱ ዓይነታት ጸወታ ቀሪቦም ኣለዉ፡፡፡

ሕጊ ዘለዎም ሓሙሽተ ዓይነታት ጸወታ – ካርድታት ጸወታ (ብመልክዕ PDF ዝሕተም)

ካርድታት ጸወታ ተጠቂምካ፣ ታይ ዓይነት ጸወታ ክትጻወት ከምትደሊ ነቶም ቆልዑ ብግልጺ ትነግሮም፡፡ እቶም ካርድታት ጸወታ ካብዙየ ብተወሳኺ እቶ ቆልዑ ንዕኦም ብምርኣይ እቲ ክጻወትዎ ዝደልዩዎ ዓይነት ጸወታ እንታይ ከምዝኾነ ፈልዮም ንምሕታት ይሕግዞም፡፡

ደርፍታት

ደርፍታት ብዙሓት ቆልዑ ዝፈትውዎም ዓይነት ጸወታ እዮም፡፡ ብዝግባእ ዝፍለጡ ምንቅስቃሳት ዘለዎም ደርፍታት ምምራጽ የድሊ፡፡ ከሙዙይ እንተኾይኑ እቶም ቆልዑ ዋለኳ ግጥሚ ናይቲ ደርፊ ኣይፍለጥዎ ምንቅስቃሳት ብምግባር ክጻወቱ የኽእሎም፡፡ ደቅኹም ድምጺ ምውጻእ ወይ ምዝራብ እንተጀሚሮም፣ እተ ደርፊ ኣብ ማእኸል ደው ተብልዎሞ ክምልእዎ ትገብሩ፡፡

ምስ ደቅኹም ብሓንሳብ ክትደርፉ እንተደሊኹም ስዒቦም ዝተመረጹ ሓሙሽተ ደርፍታት ቀሪቦም ኣለዉ፡፡

ሓሙሽተ ደርፍታት – ናይ ደርፊ ካርድታት (ብመልክዕ PDF ዝሕተም)

ቶም ደርፍታት ዝሓዙ ካርድታት ቀጺሉ እትደርፍዎ ደርፊ እንታይ ከምዝኾነ ፈሊጦም ንክዳለዉ ይሕግዞም፡፡ ዳሕራይ ዓልቲ ድማ ፣ እቶም ቆልዑ ነቶም ዘለዉ ካርድታት ክተሓዋወሱ ብምግባር ካብኣቶም ደርፊ ክመርጹ ምግባር ይከኣል፡፡

ፈጠራ ዝተመልኦም ጸወታታት

ቡዙሓት ቆልዑ ከም ቀለም ምቅባእ፣ ስእሊ ምስኣል፣ ዑንቊ ምእታው ከምኡውን Play-Doh ተጠቂምካ ምጽዋት ዝመሳሰሉ ፈጠራ ዘበረታትዑ ጸወታታት ምጽዋት ይፈትዉ፡፡ እቶም መጻወትታት ከመይ ክጥቀሙሎም ዘርእዮዮ ዓበይቲ ሰባት የድልይዎም፡፡ ቆልዑት መስርዕ ዘለዎም ብተደጋጋሚ ክስርሑ ዝኽእሉ ነገራት ምስራሕ ይፈትዉ፡፡ ንኣብነት፣ “sausage” ናይ Play-Doh “ሳንቡሳ” ምጥቅላል፣ ምቁርራጽ፣ እቶም ዝተቆራረጹ ናብ ኣናእሽተይ መጠን ዘለዎ ቆራሪጽኩም ካብኡ ናብ ሳንዱቅ ምእታው፡፡  ብተመሳሳሊ ኣብ ኩሎም ጸወታታት፣ እቲ ጠቃሚ ነገር ዝበሃል ምስቶም ቆልዑት ሓቢርካ ምዝንጋዕ እዩ፡፡

ኩሉ ማዓልቲ ዝደጋገሙ ነገራት

እቶም ማዓልታዊ ነተግብሮም ንጥፈታት ምስ ደቅኻ ክትጻወት ዕድል ዝፈጥሩ እዮም፡፡ ቆልዑት መጻወቲ ተጠቂሞም ክጻወቱ እንተለዉ ከምዝሕጎሱ ኣብ መሬት ዘለዉ ሓቃዊ ተግባራት ክሰርሑ እንተለዉ እውን ይሕጎሱ እዮምለመ እቶም ማዓልታዊ ነተግብሮም ንጥፈታት ንቆልዑ ዘዝናንዩ ነገራት ዝሓዙ እዮም፣ “ምእታውን ምውጻእን” “ምሃብን ምውሳድን” ዝመሳሰሉ ንጥፈታትን::

ጠረጰዛ ምትዕርራይ፣ ሽሓነ ምሕጻብ፣ መሕጸቢ ክዳን ማሽን ምጥቃም፣ ጣውላ ምውልዋልጉሓፍ ንደገ ምውጻእ ዝመሳሰሉ ንጥፈታት እንትትሰርሑ ደቅኹም ኣሳትፍዎም፡፡

ናይ ፋንታስን ምምሳልን ጸወታታት

ቆልዑት ደቂ ክልተ ዓመት ከባቢ እንትኾኑ፣ ከም ናይ ባንቡላ እንስሳ ምምጋብን መጻወቲ መኪና ምዝዋርን ዝበሉ ጸወታታት ምጽዋት ደስ ይብሎም፡፡ ሓደሽቲ መጻወትታት ብምቅራብ ወይ ነቶም ዝጽሑ መጻወትታት ሓድሽ ምንገዲ ምጽዋት ብምውሳኽ እቲ ጸዋታ ዝሓሸ ምግባር ትኽእሉ ንኣብነት፣ መጻወቲ መኪና ትጻወቱ ተሃሊኹም፣ ኣብ ጣውላ መዕረፊ መኪና መስመር ስኢልኩም፣ ወይ ጽገና መኪና ክሰርሑ ምምሳል፡፡ ናይ እንስሳት መጻወቲ ወይ ባንቡላታት ትጻወቱ ተሃሊኹም ድማ ንዕኦም ዝኸውን ድግስ ከም ዘዳለኹም ምምሳል ትኽእሉ፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ታይ ክትጻወት ከምዘለካ ምፍላይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ዓይነታት ጸወታ ዝሓዙ ካርድታት ምጥቃም ንስኹምን ደቅኹምን እንታይ ዓይነት ጸወታ ክትጻወቱ ከምትኽእሉ ክትሩኡ ይሕግዘኩም ካብኡ ብተወሳኺ ነቶም ምስልታት እናረኣኹም ብዝሓሸ መንገዲ ክትረዳድኡ ይሕግዘኩም፡፡ ዓብይ ከም ምኳንኩም፣ እቶም ስእልታት ክትጥቁሙ እንተለኹም እንታይ መልእኽቲ ክተመሓላልፉ ከምዝደለኹም ብግልጺ ክትርድኡ ይግባእ፡ እቶም ደቅኹም እውን ባእሎም ናብቶም ምስልታት ናጠቆሙ ርኢቶታት ክህቡ ይኽእሉ፡፡

ካብዙይ ስዒቡ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጸወታ ካርድታት እንታይ ከምዝመስሉ ሓሙሽተ መብራህርህታት ቀሪቦም ኣለዉ :

ብእንስሳታት ምጽዋት

ብመካይን ምጽዋት

ወደይጓለይ ንምንታይ እዩ ዘይጫወት ዘሎ?

ቆልዑት ምጽዋት ዘይጀመሩሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ፡፡

  • እቶም ቆልዑት ብትኹረት ሰባት ዝገብርዎ ምክትታል ክከብዶም ይኽእል፡፡ ቆልዑት ካልኦት ዝገብርዎ ነገር ብምድጋም እዮም ዝማሃሩ፡፡. ካልኦት ሰባት እንታይ ከምዝገብሩ ይዕዘቡሞ ካብኡ ባዕሎም ይሙኩርዎ፡፡ እቶም ቆልዑት ካልኦት ሰባት ዝገብርዎ ዘለዉ ነገር ምክትታል እንተዘይክኢሎም፣ ክደግምዎ ስለዘይኽእሉ ባዕሎም ምጽዋት ኣይጅምሩን፡፡
  • እቶም ቆልዑ እቶም መጻወትታት ከመይ ክጥቀሙሎም ከምዝኽእሉን እቲ ጸወታ ከመይ ከምዝጽወትን ኣይፈልጥዎም፡፡
  • እቶም ቆልዑት ሓጺር ናይ ትኹረት ግዜ ስለዝህልዎም እቲ ንጥፈት ምቅጻል ይኸብዶም፡፡
  • እቶም ቆልዑት ሓደሽቲ ነገራት ንክሙኩሩ ኣይለዓዓሉን፡፡ ዝተወሰኑ ቆልዑት እናተጻወቱ እናሃለዉ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ እቲ ጸወታ ወይ መጻወቲ ከመይ ክሓልፍዎ ከምዘለዎም ዘይክፈልጥዎ ይኽእሉ፡፡

እቶም ደቅኹም ባዕሎም ክጻወቱ ዝጽገሙ እንተኾይኖም፣ ከም ወላዲ ባዕልኹም ክትሕግዝዎም ይግባእ፡፡ ኣብ ከይዲ ዕቤት ደቅኹም ስግኣት እንተሃልዩኩም፣ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ኣእኸል ክንክን ቆልዑ (barnavårdscentral, BVC) ምኻድ ትኽእሉ::

ተሓቲሙ ዝወጽእ መጠቃለሊ ትሕዝቶ እዚ ገጽ

ርክብ ምፍጣር

እዚ ገጽ ብክፍሊ ጥዕናን መሊስካ ምጥያሽን ግዝኣት Uppsala ዝተዳለወ እዩ፡፡ እቶም ኣብኡ ዝቀረቡ መረዳእታታት ደቆም ብኸመይ መንገዲ ምስ ሰባት ክጻወቱን ክረዳድኡን ከምዝኽእሉ ሓገሬታ ንምርካብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ዝሓዘ እዩ፡፡ 

እቲ ትሕዝቶታት ዘዳሉ ሰብ፣ ናብ habiliteringen@regionuppsala.se መልእኽቲ ኢ-ሜይል ልኢኹ ኣሎ፡፡