ውላድካ ገና ብንእሱ ምቅራጽ ማለት እዩ?

ውላድካ ገና ብንእሱ ምቅራጽ እንትብሃል እተሎ ታይ ንምባል ተደልዩ እዩ?

ውላድካ ገና ብንእሱ ምቅራጽ ማለት እቲ/ታ ቆልዓ ገና ህጻን እናሃለወ/ት ብጽቡቅ ተሃኒጹ/ጻ ክዓቢ ብንቅሓት መንገዲ ቀይስካ ብዝግባዕ ክተዕብዮም ምኽኣል ማለት እዩ፡፡ ቆልዑት ገና ህጻውንቲ እናሃለዉ ጸወታ ክጻወቱን ምርድዳእ ንክጅምሩን ምብርትታዕ ኣድላይድዩ፣ ምኽንያቱ ከምኡ ምግባር ብጽቡቅ ንክዓብዩ መሰረት ስለዝኾኖም፡፡ መብዛሕትኦም ቆልዑት ምስ ሰባት ብምትእትታውን ብምርድዳእን ዓርሶም ክኢሎም ብጽቡቅ ይዓብዩ፡፡ ዝተወሰኑ ቆልዑት ግን ብተፈጥርኦም ምስ ሰባት ምጭዋትን ምትእትታውን ስለዘይኽእሉ ማሕበራዊ ሒወቶም ንምምዕባል ብዙሕ ዕድል ኣይረኽቡን፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዉ ቆልዑት መብዛሕትኡ ግዚኦም ምስ ስክሪን እዮም ዘሕልፍዎ፡፡ እዙይ ማለት ድማ መብዛሕትኦም ቆልዑት ኣብ ማሕበራዊ ሂወቶም ዘድልዮም ምስ ሰብ ምጽዋትን ምትእትታውን ንምርካብ ዕድል ኣይረኽቡን ማለት እዩ፡፡ ካብዙይ ብምብጋስ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ትሕቲ ክልተ ዓመት ዘለዉ ህጻናት ምንም ዓይነት ስክሪን ክሪኡ የብሎምን ዝብል መምርሒ ኣውጺኡ እዩ፡፡

መጽናዕትታት ዝሕብርዎ ቆልዑት መብዛሕትኡ ናይ ሂወቶም ዕብየት ኣብ ናይ መፈለምታ ሰለስተ ዓመታት ዝፍጠር ከምዝኾነ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ደቅኹም ባዕሎም ክዓብዩ እዮም ኢልካ ካብ ምጽባይ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዘድልዮም ብምፍላጥ ዘድልይዎም ሓገዛት ምፍጻም የድሊ፡፡ ወለዲ ደቆም እኹል ናይ ጸወታን ምስ ሰብ ምትእትታውን ዕድል ምርካቦም ከረጋግጹ ይግባእ፡፡ ደቅኹም ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ብዝተኻኣለ መጠን ምሳኹም ክጻወቱን ከረዳድኡን ክትገብሩ ዘኽእል መንገዲ ምቅያስ የድሊ፡፡ ከምዙይ ምግባርኩም ኣብ መንጎኹም ዘሎ ምትእስሳር ዝበለጸ ጠንካራ ክኸውን እውን ዘኽእል እዩ፡፡

“ጽቡቅ ከይዲ ዕብየት” ዝበሃል እንታይ እዩ?

መብዛሕትኦም ቆልዑት ኣብ ናይ መፈለምታ ዓመታት ሂወቶም እዮም ፈጣን ዕብየት ዘርእዩ፡፡ ኣብዚ እዋን አቶም ቆልዑ ኣብ ምስ ከባቢአም ዘሎ ሰብ ብምትእትታውን ኣብ ጥቅኦም ዘለዉ ኣቁሑት ብምምርማርን ዓርሶም ክኢሎም ነገራት እናመርመሩ እዮም ዝዓብዩ፡፡ ብኸምዚ መልክዑ ናይ ምንቅስዓስ ዓቅሞም፣ ጸገም ናይ ምፍታሕ ዓቅሞም፣ ናይምርድዳእ ዓቅሞምን ናይ ምጭዋት ዓቅሞምን ዘዕብዩ፡፡ እቶም ቆልዑት ሓደሽቲ ክእለታት ምምሃር እንትኽእሉ፣ ብኡ ኣቢሎም ካልእ ነገር ምምሃር ይቅጽሉ፡፡ ንኣብነት፣ ቆልዑት ና ነገራት ምጡቋም እንትጅምሩ፣ ካልእ ነገር ንምርድዳእ ክእለት የማዕብሉ፡፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ትኹረት ዓበይ ሰባት ናብ ባዕሎም ብምስሓብ እንታይ ከምዘሕጉሶም፣ እንታይ ከምዝደለዩ፣ ሓደ ነገር ታይ ከምዝብሃል ንምሕታት ምርኣይ ይሙኩሩ፡፡ ብኸምዙይ መንገዲ፣ እቶም ቆልዑት ሓደሽቲ ነገራት ምምሃር ይቅጽሉ፡፡

ኣብ  1177.se  ኣቲኹም ቆልዑት ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዕድሚኦም እንታይ ከምዝመሃሩ ምርኣይ ትኽእሉ፡፡

ዘተሓሳስብ ነገር ኣሎ ዶ?

እቲ ውላድኩም ናይ ምርድዳእ፣ ምጽዋትን ምስ ሰብ ምትእትታውን ጸገም እንተሃልይዎ፣ እዙይ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ዝረአይ ምልክት ኦቲዝም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኦቲዝም ዝበሃል ጸገም ነርቢ ኣእምሮ ኮይኑ ቆልዑት ምስ ከባቢኦም ኣብ ዝገብርዎ ምትእትታው ጸገም ዝፈጽር ሕማም እዩ፡፡

Illustration på barn vid en lekplats. Två barn leker vid en rutschkana och ett barn står ensamt vid ett staket.

ኦቲዝም ዘለዎም ቆልዑ ኣብ ማሕበራዊ ሂዎቶምን ምስ ሰብ ምርድዳእን ይጽገሙ እዮም፡፡ ምልክታት እዚ ሕማም ኣብ ግዜ ቁልዕነት ጀሚሩ ዝርአ ኮይኑ ከም ብዙሕ ምንቅስቃሳት ዘይምርኣይ፣ ምስ ሰብ ዓይኒ ንዓይኒ ምርኣይ ምሕፋር፣ ምስ ካልኦት ክትጻወት ዘይምኽኣል፣ ከምኡውን ቀልጢፍካ ዘረባ ምዝራብ ዘይምጅማር ዝበሉ ምልክታት ኣለዎ፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ፣ ኦቲዝም ዘለዎም ቆልዑ ሓደ ዓይነት ተደጋጋሚ ተግባራት ጥራይ ዘርእዩም ንነገራ ድሌት ዘየርእዩን እዮም፡፡ ንሳቶም ኩሉ ግዜ ደጋጊሞም ዝሕዝዎ ኣቅሓን ንጥፈትን እዮም ዝመርጡ፡፡  ኦቲዝም ዘለዎም ቆልዑ መብዛሕትኡ እዋን “ኣብ ናይ ባዕሎም ዓለም” እዮም ተጸሚዶም ዝውዕሉ፡፡ ካብዙይ ዝተልዓለ ሓደ ነገር ብዝግባእ ክመልኩ ይኽእሉ፣ ይኹን እንበር ኣብ ምስ ሰብ ምትእትታው፣ ምጽዋት፣ ምርድዳእን ይጽገሙ እዮም፡፡

ርክብ ምፍጣር

እዚ ገጽ ብክፍሊ ጥዕናን መሊስካ ምጥያሽን ግዝኣት Uppsala ዝተዳለወ እዩ፡፡ እቶም ኣብኡ ዝቀረቡ መረዳእታታት ደቆም ብኸመይ መንገዲ ምስ ሰባት ክጻወቱን ክረዳድኡን ከምዝኽእሉ ሓገሬታ ንምርካብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ዝሓዘ እዩ፡፡ 

እቲ ትሕዝቶታት ዘዳሉ ሰብ፣ ናብ habiliteringen@regionuppsala.se መልእኽቲ ኢ-ሜይል ልኢኹ ኣሎ፡፡