ምርድዳእ ጀምሩ

ምርድዳእ ምጅማር ንምንታይ ይጠቅም?

ቆልዑ ምዝራብ ቅድሚ ምጅማሮም፣ ዝደልይዎን ዘይደልይዎን ነገር ንምግላጽ፣ ጽቡቅ ዝብልዎ ነገር ንምጥቋምን ዘሕጉሶም ነገር ንምግላጽን ኣካላዊ ምንቅስቃስ፣ ቆላሕላሕ ብምባልን ብድምጽን ተጠቂሞም እዮም ዝረዳድኡ፡፡ ክገብርዎ ዝደልዩን ዘይደልዩዎን ነገር እውን ብግልጺ እዮም ዘርእዩ፡፡ እዙይ ድማ “ብምልክት ምርድዳእ” ወይ “ናይ መፈለምታ ምርድዳእ” እዩ ዝበሃል፡፡ ናይ መፈለምታ ምርድዳእ እቶም ቆልዑ ምዝራብ ክመሃሩን ካልኦት ጠቀምቲ ክእለታት ክፈልጡን ከም ናይ መጀመርታ መልዐሊ ኮይኑ ዘገልግል እዩ፡፡ ቆልዓ ምጥቋም እንትጅምር፣ እቶም ዝጥቁሞም ነገራት ሽሞም እንታይ ከምዝኾነ እንትንገሮ እንተሎ ምምሃር ይጅምር፡፡ እቶም ቆልዑ ገና ብህጻንነቶም ዘይፈትውዎ ነገራት ምጡቋም ስለዝጅምሩ፣ ወለዶም እቶም ነገራት ከይፍጽምዎም ከም መጠንቀቅታ የገልግሉ፡፡ ስለዝኾነ እቶም ቆልዑት ዘረባ ምዝራብ ቅድሚ ምጅማሮም እውን እንተኾነ ምርድዳእ ጠቃሚ እዩ፡፡

ውላደይ ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል?

ኩሎም ምርድዳኣት ዝፍጠሩ ምስ ካልኦት ሰባት ብምትእትታው እዩ፡፡ ቆልዑ ሓደሥቲ ቃላትን ምልክታትን ካብ ቪድዮ ክመሃሩ ይኽእሉ፣ ነገር ግን ትኹረት ሂብና ክንከታተሎም እንተለና እዮም ምምሃር ዝኽእሉ፡፡ ናይ ሓባር ትኹረት ምሃብ ዝበሃል እቲ ቆልአዓ ናረኣኻዮ ብንቅሓ ክመሃር እንተሎ እዩ፡፡

ብሓንሳብ ሸውላላጋ ናተጻወትኩም ምስ ውላድኩም ትኹረት ሂብኩም ትከታተሉ ተኾይንኩም፣ ድፍአኒ፣ ወስኽኒ ዝመሳሰሉ ቃላት ክዛረብ ይጅምር፡፡ ብሓንሳብ ክትስሕቁን ክትጻወቱን እንተለኹም ኩላይ እቶም ቆልዑ ሓጎሶም ምግላጽ ይጅምሩ፡፡ ብቅዓት ተረዳድኦ ደቅኹም ንምዕባይ፣ ንብዙሕ እዋን ትኹረት ሂብካ ምትእትታውን ምዝርራብን የድሊ፡፡  እዙይ ንምስኸዕ ብዙሓት መንገድታት ክትክተሉ ትኽእሉ:

ስሉስ ኩርናዕ ተረዳድኦ

ናይ ሓባር ትኹረት ክህልወኩም ምእንታን፣ እቶም ቆልዑት እንታይ ትገብሩ ከምዘለኹም፣ እንታይ ትሪኡ ወይ ትሰምዑ ከምዘለኹም ክሪኡኹም ግድን እዩ፡፡

Illustration: Vuxen och barn sitter på golvet nära. De tittar på varanda och samtalar om en leksakshäst som kvinnan håller i handen. Bilden åskådliggör en kommunikationstriangel; barnet, den vuxna och hästen de samtalar om.

እዙይ ንምግባር፣ እቲ ውላድኩም፣ ትሪእዎ ዘለኹም ነገርን ባዕልኹምን ብ ቅርጺ ሱሉስ ኩርናዕ ተቀመጡ፡፡ እዙይ ድማ “ስሉስ ኩርናዕ ተረዳድኦ” ዝበሃል ስልቲ ብምፍጣር ውጽኢታዊ ናይ ሓባር ትኹረት ክህሉ ይገብር፡፡

ውላድኩም ዝብሎ ሰሚዕኹም መልሲ ምሃብ

ኣብ እዋን ናይ ሓባር ትኹረት፣  እቶም ዓበይቲ ሰባት እቶም ቆልዑ ዝብልዎ ሰሚዖም መልሲ ክህቡ ይግባእ፡፡ እዙይ ድማ ግብረመልሲ ዘለዎ መንገዲ ተረዳድኦ ይበሃል፡፡

  • እቶም ቆልዑ ዝብልዎን ዝገብርዎን ነገር ስምዑን ረኣዩን፣ ታይ ከምዝመሰጦም ኣስተውዕሉ፣ካብኡ ርኢቶ ሃብዎም፡፡
  • እቶም ቆልዑ እስካብ ዝምልሱ ተጸበይዎም፡፡ መልሲ ክሳብ ዝህቡ ብትዕግስቲ ክትጽበዩ ይግባእ፡፡ እቶም ቆልዑ ብኢዶም ብምጥቋም፣ ብድምጺ፣ ቆላሕላሕ ብምባል፣ ብምልክት ወይ ቃላት ብምውጻእ ክመምልሱ ይኽእሉ፡፡
  • ደቅኹም ዝብልዎ ኩሉ ገር ክትትርጉሙ ሞክሩ፡፡ ዝብልዎ ብምድጋም ወይ ክብልዎ ዝደለዩ ነገር ብደንቢ ብምግላጽ ምስኦም መምስታፍ ትኽእሉ፡፡. ንኣብነት፣ ሸውላለጋ ናተጻወትኩም ድፍአኒ ተይሉ፣ ብደንቢ ክደፍአካ ዲኻ ደሊኻ ኢልኩም ብምሕታት ኣዛርብዎ፡፡

Illustration: Vuxen och barn på golvet. De leker med tillsammans med leksaksbilar.

ተረዳድኦ ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ተቀጺሉ፣ ዓበይቲ ሰባት ዓስተውዕሉሉን፡፡ እቶም ቆልዑት ኣብ ምርድአዳእ ዝንጉዓት ተኾይኖም፣ ዓበይቲ ሰባት ብናቶም ፍጥነት ይርድእዎም፡፡ እቲ ጉዳይ ከምዙይ ተኾይኑ፣ ስርሐይ ኢልኩም ናይ ግብረመልሲ መንገዲ ተረዳድኦ ተጠቂምኩም ንክትረዳድኡ ሞክሩ፡፡.

ስእላዊ መሳርሒ

ቆልዑ ብዛዕባ ኣብ ጥቅኦም ዘየለዉ ነገራት ምዝራብ ይኸብዶም እዩ፡፡ ኩሎም ቃላት ስለዘይፈልጥዎም ፣ ከመይ ገይሮም ሓሳቦም ከምዝገልጹ ንምፍላጥ ይጽገሙ እዮም፡፡ ነገር ግን ስእልታት ብምጥቃም፣ ነይ ሓበራዊ ትረት ክህልወኩም ብምግባር ብዛዕባ ኣብ ጥቃኹም ዘየለዉ ነገራት ክትረዳድኡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ስእሊ ተጠቂምካ ንምርድዳእ እቲ ዝቀለለ መንገዲ ኣብ ኮምፒተርካ ወይ ኣይፓድካ ዝተፈላለዩ ስእልታት ምእብ እዩ፡፡ ካብኡ ብሓንሳብ ኮይንኩም ነቶም ስእልታት እናረኣኹም እንታይ ንጥፈታት ከምዝፈጸምኩም ክትዘራረቡ ትኽእሉ፡፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ ምስሎም እናረኣዩ ዝሰርሕዎም ንጥፈታት ምዝካር የሕጉሶም እዩ፡፡ እዚ መንገዲ እቶም ቆልዑ ክረዳድኡ የተባብዕ እዩ፡፡

ብዛዕባ መጻወቲ ቦታ ምዕላል( ምዝራብ)

ስእልታት ተጠቂምኩም ብዛዕባ ንመጻኢ ዝግበሩ ነገራት ምዝርራብ እውን ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ነቶም ቆልዑ ስእልታት እናርኣኹም ብዛዕባ ቀጻሊ እንታይ ከምትገብሩ፣ ማዓዝን ኣበይን ከምትሰርሕዎ ብምርኣይ ውጽኢታዊ ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ዝተወሰኑ ስእልታት እውን ኣብ ወረቀት ምሕታም ጽቡቅ እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ናይ ኣገደስቲ ትብልዎም ሰባት ስእሊ ኣብ ገዛኹም ተሰቂልኩም፣ እቶም ቆልኡት መን እዮም አሎም ሕቶ ክሓቱ ይዕድም፡፡

ACC ኢልኩም ተመዝገቡ

ቆልዑት ቃላት ምጠቃም ቅድሚ ምጅማሮም ብምልክታት እዮም ዝረዳድኡ፡፡ ህጻውንቲ ቆልዑት ዝበለጸ ዝርድኹም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምልክትን ገጽታን ክትጥቀሙ እንተለኹም እዩ፡፡ ዕቤት ተረዳድኦ ደቅኹም ንምምዕባል ክትጥቀሙሉ ዝግበአኩም ሓደ ምንገዲ ምስኣቶም ክትዘራረቡ እንተለኹም ምልክታት ቋንቋ ብምጥቃም እዩ፡፡ እዙይ ድማ “ምልክታት ከም ተወሰኽቲ መንገድታት ተረዳድኦ”፣ ወይ“SACC” ተባሂሉ ብሓጺሩ ይፍለጥ፡፡

ወለዲ ምልክት ቋንቋ ክጥቀሙ እንተለዉ፣ እቶም ቆልዑ ብኣትኩረት ክዕዘብዎም ይገብር፡፡ ትርጉም ዝተፈላለዩ ቃላት ንምፍላጥ ዘኽእሉ ምልክታት፡፡ ዓበይቲ ሰባት ብምልክት ክራረቡ እንተለዉ፣ እተም ቆልዑት ባዕሎም ክጠቀሙሎም ዝኽእሉ ምልክታት ይመሃሩ፡፡

ምልክታትቷንቋ ከም ሓገዝቲ መንገድታ ተረዳድኦ ገይርኩም ክትመሃሩ እንተደሊኹም ኣብዝስዕብ ኣቲኹም ብኢንተርኔት ዝወሃብ ትምህርቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ፡፡

A online course in AAC - by the Habilitation Centre in Uppsala.

ንተረዳድኦ ዝጥዕም ኩነታት ፍጠሩ

ክእለት ተረዳድኦ ደቅኹም ንምዕባይ፣ ኩሉ ግዜ ንተረዳድኦ ዝዕድሙ ነገራት ክትፈጥሩ ይግባእ፡፡

 ንዕላል ዕድል ምፍጣር

ቀጺሉ ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም ንተረዳድኦ ዝዕድሙ ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእሉ ሓበሬታታት ቀሪቦም ኣለዉ፡፡

  • ብዛዕባ ንስኹምን ደቅኹምን ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም እትገብርዎም ነገራት ብቃላት ምግላጽ – ንኣብነት፣ ዳይፐር ክትቅይሩ እንተለኹም ኣእዳውኩም ክትሕጸቡ እንተለኹምን ካብ መውዐሊ ህጻናት ናብ ገዛ ክትምለሱ ከለኹምለል
  • ኩሉ ግዜ ብሓንሳብ ኮይንኩም መጽፍ ኣንብቡ፡፡ ኣብዙይ ብምጥዋቅ ብከመይ ሓቢርኩም ምንባብ ከምትጅምሩ ዝጥቁም ሓበሬታ ርኸቡ፡፡ ናቲ ዝንበብ ገጽ ዝወስድ ሊንክ
  • ብዛዕባ ዘጋጠሙ ነገራት ወይ ንቅድሚት ዘጋጥሙ ነገራት ምስ ደቅኹም ተዘራረቡ፡፡. ክተውግዑ እንተለኹም ምእንቲ እቶም ደቅኹም ክርድኦም ስእሊ ወይ ቪድዮ ተጠቀሙ፡፡
  • ደቅኹም ዝመርጽዎን ዘሕጉሶምን ጸወታ ሓቢርኩም ተጻወቱ፡፡ እቲ ጸወታ ከትመርጹ እንተለኹም ሐሕድሕድ ሰብ እንታይ ከምዝገብር ዘርእን፣ እቶም ቆልዑ ብዝግባእ ብዝርድእዎ መንገድን ክኾን ኣለዎ፡፡
  • ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታትኩም ደቅኹም ክተሳትፉ ሞክሩ፡፡ እቶም ደቅኹም ጠረጰዛ ከዳልዉ፣ መጻወቲኦም ከጽርዩ፣ ሽሓነ ክሓጽቡ፣ ወይ ክዳን ናብ መሕጸቢ ማሽን ከእትዉ እንተገይርኩም ጽቡቃት ናይ ምክታት መንገድታት እዮም፡፡
  • ምስ ደቅኹም ተውግዑሉ ኩነታት ፍጠሩ፡፡. ደቅኹም ፍራፍረ ናቆረጽኩም ተብልዕዎም እንተኾይንኩም ኩሉሻዕ ክተብልዕዎም እዮም ዝሓትኹም፡፡ መጻወቲኦም ኣብ ዝርአ ቦታ እንተቀሚጥኩሙሎም ኣልዒልኩም ክትብዎም እሞ ክጻወትሉ እዮም ዝሓትኹም፡፡

Illustration: Barn i rutschkana. Vuxen nedanför håller upp tre fingrar.

ተሓቲሙ ዝወጽእ መጠቃለሊ ትሕዝቶ እዚ ገጽ

ርክብ ምፍጣር

እዚ ገጽ ብክፍሊ ጥዕናን መሊስካ ምጥያሽን ግዝኣት Uppsala ዝተዳለወ እዩ፡፡ እቶም ኣብኡ ዝቀረቡ መረዳእታታት ደቆም ብኸመይ መንገዲ ምስ ሰባት ክጻወቱን ክረዳድኡን ከምዝኽእሉ ሓገሬታ ንምርካብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ዝሓዘ እዩ፡፡ 

እቲ ትሕዝቶታት ዘዳሉ ሰብ፣ ናብ habiliteringen@regionuppsala.se መልእኽቲ ኢ-ሜይል ልኢኹ ኣሎ፡፡